.ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንፃራዊ ሰላም ምምፅኡ ስዒቡ ኣብ ሰዓት እቶ እቶ ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ኮማንድ ፖስት ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ቢር ኮሙኒኬሽን ክልል ኣምሓራን ኣባል ኮማንድ ፖስትን መንገሻ ፈንታው( ዶ/ር)÷ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ብኮማንድ ፖስት ሰዓት እቶ እቶ ተነቢሩ ከምዝነበረ ኣብሪሆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ብዝተገበረ ስራሕ ምኽባር ሰላም ኣንፃራዊ ሰላም ምምፅኡ ስዒቡ ድማ ተነቢሩ ኣብ ዝነበረ የሰዓት ሰዓት እቶ እቶ መመሓየሺ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡
ብመሰረት እዚ ኣብ ከተማታት ባህር ዳር፣ ጎንደርን ደብረ ብርሃንን ሰዓት እቶ እቶ ካብ ዝነበሮ 2 ሰዓት ናብ 3 ሰዓት ክብ ከምዝበለ ተዛሪቦም፡፡
ናይ ካልኦት ከባቢታት ድማ በቲ ኮማንድ ፖስት እናተገምገመ ከምዝረአ ኣፍሊጦም፡፡
