Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ክልል ትግራይ ድማ በቲ ኲናት ዝተሃስያ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግመ ህንፀት ልዕሊ 4 ሚልዮን ዝግመት ንዋታዊ ደገፍ ተዋሂቡ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ህንፃ ዲሞክራሲ ኣብ ክልል ትግራይ ብኹናት ዝተሃስያ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግመ ህንፀት ልዕሊ 4 ሚልዮን ዝግመት ንዋታዊ ድጋፍ ሂቡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ብምውህሃድ ካብ ከተማ መቐለ መናእሰይን ነበርትን ብምእካብ እቲ ድጋፍ ዝሓሸት ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓጋዚ ከምዝኾነ ይንገር።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሞገስ ባልቻ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዝተኻእለ መጠን ነንሕድሕድና እንተተደጋጊፍና እቲ ዝድለ ድልዱል ሕውነትን ሓድነትን ክንገሃድ ንኽእል ኢና።

ወከልቲ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ድጋፍ ተረኪቦም።

ነዚ ዝተረኸበ ሰላም ንምዝርራብን ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ዳግም ንምህናፅን ኩሉ ክተሓባበር ከምዘለዎ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *