Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝውዕል 126 ሺሕ ኩንታል ሓገዝ ምግቢ ተገይሩ

ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ፌዴራል ንተመዛበልቲ ወገናት ዝውዕል 126 ሺሕ ኩንታል ምግቢ ከምዝገበረ ኮሚሽን ሓደጋ ስግኣት ቅድመ ድልዉነትን መጠንቀቕታን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ ምግቢ÷ ስርናይ፣ ሕሩጭ ስርናይ፣ ፋፋን ዘይትን ዘካተተ ከምዝኾነ ዳይሬክተር እቲ ኮምሽን ኣይተ ገብረዝጋብሄር ኣረጋዊ ገሊፆም።

እቲ ዝተውሃበ ሓገዝ ንመዛበልቲ ጥራሕ ከምዝወሃብን ቀዳምነት ዝዉሃቦም ወገናት ቀዳምነት ብምሃብ ከምዝከፋፈልን ኣብሪሆም።

ን745 ሺሕ ተመዛበልቲ ወገናት ቀለብ ሓደ ወርሒ ከምዝሽፍን ሓገዝ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ገብረዝጋብሄር÷ ነዞም ወገናት ቀልጢፉ ክበፅሕ ናብ ወረዳታት ንምብፃሕ ምጉዕዓዝ ከምዝተጀመረ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *