ዝተገፀሙ ተምሃሮና ንሓገዝ ብዝብል መሪሒ ሓሳብ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ተጋሩ ኣብ ትሕቲ ፅላል ማሕበር ደቂ እኖ ዝነጥፉ ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ቅርሺ ወፃኢ ብምግባር ኣብ ወረዳ የጭላ ኣበርገለ ዝርከብ ሙሉእ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሕጉም ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪቶም።
ተወካሊ እታ ማሕበር መንእሰይ ይብራህ ደስታ ብሰንኪ ኩናት ዝተሃሰየ ተምሃራይና ሓገዝና ናብ ዝሓሸ ሂወት ንክሰጋገር ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ወገናት ዝገብሮ ሓገዝ ክጠናኸር ኣለዎ ክብል ፀዊዑ።
ፀገም ተምሃሮና ብምርዳእ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለው ትካላት ወልቀ ሰባትን ዝገብሮዎ ዘለዎ ሓገዝ ድማ ተምሃሮን ወለድን ናእደኦም ገሊፆም።
