Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ብስክሌት ደቂ ትግራይ ተወዳደርቲ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ተዓዊቶም።

ኣብ ትግራይ ብዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ምኽንያት፣ ካብ ትግራይ ወፃኢ ድሕሪ 4 ዓመት ምቁራፅ፣ ንመጀመርታ ግዜ ጋንታ ትራንስ ኢትዮዽያ ድሬዳዋ ብስክሌት ፌደረሽንን ሃሪፍ የስፖርት ኣገልግሎትን ብሓባር ብምዃን ዘዳለውዎ ውድድር ንጋንታ ትራንስ ብዝተገበረላ ዕድመ መሰረት፣ኣብ ውድድር ብስክሌት ድሬ ታሕሳስ ብዓብላልነት ፀወታ ሎሚ 17 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ተዓዋቲት ምዃና ተሓቢሩ።

እዚ ሓበሬታ ኣብ ገፅ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ትራንስ ኢትዮጵያ ሳይክሊንግ ክለብ ዝተረኸበ ኮይኑ፣ እንኳዕ ደስ በለና ደስ በለኩም ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ውድድር 1ይ.ተኽለ ፀጋይ ፣ ጋንታ ትራንስ፣ 2ይ.ፍስሃ ገብሪሃንስ ፣ጋንታ ትራንስ፣ 3ይ.ኣማኒኤል ሃለሚካኤል ፣ጋንታ ትራንስ 4ይ.ተመስገን እንተሃቡ ፣ጋንታ ትራንስን ተኸታቲሎም ተዓወትቲ ከምዝኾኑ ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
17 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም
መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *