ነቲ ቅድድም ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ኣፅብሃ ገ/እግዛብሄርን ኮምሽነር ስፓርት ትግራይ ኣይተ ገብረስላሰ ተኽላይን ዘጀመርዎ ክይኑ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዓድዋ እዩ ተኻየዱ ።
ብመሰረት እዚ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳመይቲ ፅሪይቲ ተኽለሃይማኖት ካልኣይቲ ድማ ማሾ ደጁ እንትወፃ ። ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣን ዝተካየደ ንሕንሕ ቀዳማይ ተኽላይ ኣባዲ ካላኣይ መሓሪ ገብረመድህን ሳልሳይ ድማ ፅገ ወ/ገብራኤል ኮይኖም ተዓዊቶም ።
ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ምድብ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቅዱሳን ደስታ ቀዳመቲ ክትወፅእ እንከላ ኣብ ደቂ ተባትዮ ቀዳማይ ተኽሉ ጎይትኦም ብሙኻን ቕድድሞም ዛዚሞም ።
ንተዓወቲ ዝተዳለወሎም ዝተፈላለየ ሽልማት ብዕዱማት ኣጋይሽ ተወፍይሎም ።
