ድምፂ ወያነ ትግራይ ናብቲ ቦታ ተንቀሳቂሱ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከም ዝበልዎ እቲ ሓሰኻ ቅድሚ ሐዚ ሪኦምዎ ዘይፈልጡ ከም ዝኾነን እቲ ባልዕ ሓሰኻ ዝዓረፈሎም ኣግራብ ድማ ይፅምልዉን ይደርቁን ከም ዘለዉ የረድኡ ።
ኣገልጋሊት እቲ ቤተ ክርስትያን ዝኾና ወይዘሮ ኣመተ ገብረስላሴ ወሲኸን ከም ዝሓበረኦ ድማ እቲ ባልዕ ሓስኻ ኣብ ቀፅሪ እቲ ቤተ እምነት ካብ ዝሪኦኦ ክልተ ሰሙን ከም ዝገበረን ናብ ካልኦት ኣግራባት ድማ ይስፋሕፋሕ ከም ዘሎ ይገልፃ ።
ኣብዚ ዛዕባ ምላሽ ክህቡና ዘዘራረብናዮም በዓል ሞያ ሓለዋ ዘራእቲ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ኣይተ ዳኒኤል ተኽላይ ከም ዝበልዎ ድማ እቲ ባልዕ ሓሰኻ እዚ እዩ ኢልና ብሽም ንምፅዋዕ ተፀጊምና ኣለና ምስ በሉ ካልኦት ተመራመርቲ ክሪእዎ ግና ናብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ሪፖርት ጌርና ኣለና ክብሉ ተዛሪቦም ።
እቲ ባልዕ ሓስኻ ናብ ካልኦት ጣብያታት ከይሰፍሕ ነፀጋ መድሓኒትን ተፍትሽን የካይዱ ከም ዘለዉ ድማ ካብ መብርሂ ኣይተ ዳኒኤል ተኽላይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ ።
ድወት
