Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ሓንቲ ግድስቲ ነባሪት ኣብ ቀረባ እዋን ንዝተጣየሸ ኮምሽን ሃርበኛታት ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ኣወፍየን ።

ኣደይ ኪዳን በየነ ይበሃላ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ኣዉሮፓ ክቕመጣ ድሕሪ ምፅናሕ ጥሮታ ወፂአን ናብ ዓደን ብምምፃእ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይነብራ ከም ዘለዋ ይገልፃ።

ኣብ ቀረባ እዋን ንዝተጣየሸ ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ንመጠናኸሪ ኢለን ብዉልቀአን ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ከም ዘበርከታ ይገልፃ።

መናእሰይ ንክብሪ ዓዶምን ህዝቦምን ዝኸፈልዎ ዋጋ ኣዝዩ የሐብነንን የሐጉሰንን ዝብላ ኣደይ ኪዳን በየነ ኣነ ድማ ብዝኽእሎ ንዓመታት ሸቂለ ዘዋህለልክዎ ገንዘብ ንምዉፋይ ተለዓዒለ ኣለኹ ክብላ ገሊፀን።ነዚ ሰናይ ተግባር ድማ ኩሉ ክስዕቦ ፀዊዐን ኣለዋ።

ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሰለሞን ሓጎስ ንሓልዮት ኣደይ ኪዳን ብምምስጋን ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ንኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ብገንዘባዊ ሓገዝ ከጠናኽር ከም ዝግባእ ገሊፆም ።

ትግቲቪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *