Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ከተማ ዓዲግራትን ከባቢኡን ሕማም ተኽተኽታ ህፃናት ብስፍሓት ይረኣይ ከም ዘሎ ተገሊፁ ::

ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ከተማ ዓዲግራት መተሓባበሪ ክፍሊ መደቀሲ ህፃናት ኣይተ ስብሓት ሽፋረ ከም ዝበልዎ ኣብ ሰላም ግዜ ይወሃብ ብዝነበረ ዝተማልአ ግልጋሎት ሕክምናን ክታበት ጠፊኡ ዝነበረ ሕማም ተኽተኽታ ህፃናት ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ ወራር ፀላእቲ ህፃናት ዝተማልአ ግልጋሎት ክታበት ስለ ዘይተዉሃቦምን ሐዚ እዉን ይወሃብ ስለ ዘየለ ኣብ ዓዲግራትን ከባቢኡን ብስፍሓት እናተርኣየ እዩ::

ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ 15 ሓሚሞም ካብ ከተማ ዓዲግራት፣ ጋንታ ኣፈሹምን ጉለምኸዳን ዝመፁ ህፃናት ግልጋሎት ሕክምና ከም ዝረኸቡ ድማ ኣረዲኦም ::

ሕማም ተኽተኽታ ህፃናት ብሕክምና ዝሓዊ ስለ ዝኾነ ወለዲ ቀፃልነት ዘለዎ ስዓል፣ ሕፅረት ምትንፋስ ፣ምንባዕ ዓይንን ሕብሪ ቆርበትን ገፅ ናይ ምፅላም ምልክት ኣብ ደቆም እንተሪኦም ቀልጢፎም ናብ ትካላት ጥዕና ከምፅእዎም ከም ዝግባእ ምዒዶም ::

ትግቲቢ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *