Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝርከብ ተመዛባላይ ሰልፊ ወፂኦም

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝርከብ ተመዛባላይ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይሊታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ብሓለንጊ ጥሜትን ቁሪን ሕሱም ናብራ ይመርሑ ከም ዘለውን ብህፁፅ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝሓትት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ በደል ደው ይበል፣ተሓራሲ መሬት እንዳሃለወና ብጥሜት ንፀንት ኣለና፣ስኣን ረዲኤት ብጥሜት ንሃልቕ ኣለና፥ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብፁሑልና!፣ ሰሪሕና ክንነብር ናብ መረበትና መሉስና፣ውዕሊ ፕሪቶሪያ ይተግበር ክብሉ ፀዊዖም።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ወረርቲ ሓይልታትን ኣብ መሬትና ኣምፂኦም ዘስፈርዎም ሰፈርቲን ካብ መረበትና ይውፅኡልና፣ድምፂ ተመዛበልቲ ይሰማዕ፣ሕገ መንግስቲ ይከበርን ተሓታትነት ጆኖሳይድ ይረጋገፅን ክብሉ እውን ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ድምፆም ኣስሚዖም።

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝተፈላላያ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኦት ማእኸላትን ኣዕቑቦም ዝነብሩ ኣስታት 65 ሺሕ ተመዛበልቲ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *