ዋና ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ መምበሩ ንጉሰ፣ ዋና ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ኲሓ ሃፍቱ ውሬታ፣ ዋና ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሰሜን ሙሉጌታ ገብሩ፣ ዋና ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ዓይደር ሃይላይ ገብረገርግስ፣ ዋና ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ነጋሽ ካሕሳይን ምክትል ዋና ኣማሓዳሪት ዓዲ ሓቂ መምህር ኪዳን ተስፋይን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ንዘጋጠመ ፈተነ ምቁፅፃር ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ትማሊ ሚዲያታት ዓዲሞም ብስም ኣማሓደርቲ ክፍለ ከተማታት ዝሃብዎ መግለፂ ዘይሕጋውን ገሊኦም እውን ካብ መሪሕነት ዝተባረሩ ምዃኖም ገሊፆም።
እቶም ኣመሓደርቲ ሉኣላዊ በዓል ስልጣን ህዝቢ ዝወከሎም ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝመረፅዎ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ እምበር ብሓንቲ ደብዳበ ዝወሃብ ሽመት ከንቲባነት ንሕገ መንግስቲ ዝፃረርን ንህዝቢ ዝንዕቕን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝኾነ ብትሪ ከምዝኹንንዎን ከምዝቃለስዎን ገሊፆም ።
ቤት ምኽርታትና ብሕጊ እናተመርሓ ብስርዓት ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ዘመሓድራን ዝቆፃፀራን ከምዝኾና ብምግላፅ፤ ካብዚ ኣሰራርሓ ወፃኢ ብዝሽየም ምስሌነ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ብዘይተሓታትነት ንምጥፍፋእ ዝግር ዘሎ ምንቅስቓስ ሓደገኛ ተግባር እዩ ኢሎም።
ኣንፃር ቤትምኽሪ ዝግበር ዘሎ ወፍሪን ተግባርን ዘይሕጋውን ውልቀ መላኽነት ዘስፍንን እዩ ዝበሉ እቶም ኣመሓደርቲ ተደራረብቲ ፀገማት ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ከምዚ ዝበለ ፀረ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንህዝብና ስለዝጎድእ ብትሪ ክንቃለሶ ኢና ኢሎም።
