መቐለ፥10 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
እቲ ንኢንቨስትመንት ዝውዕል መሬት 71 ሄክታር እንትኸውን ነቲ መሬት ዝተረከቡ ሰብሃፍቲ ኣብ ዘፈራት ኤሊክትሮ ሜካኒካል፣ ስራሕቲ ምግጥጣም፣ ፕላስቲክን ኬሚካልን፣ጋርመንትን ጨርቃጨርቂን፣ ሓፂን መፂንን ስራሕቲ ዕንፀይቲን ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ምዃኖም ተነፂሩ ኣሎ።
ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ናብ ኢንቨስትመንት ተዋፊሮም ዘለው ሰብ ሃፍቲ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩን እኹል መበገሲ ፋይናንስ ዘለዎምን ከምዝኾኑ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ኣይተ ዳኒኤል መኮነን ገሊፆም።
እቶም ቦቶኦም ዝረኸቡ ሰብ ሃፍቲ ብወገኖም ብቀጥታ ናብ ስራሕ ከምዝኣትውን ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ድማ ተጠቀምቲ ከምዝገብሩን ገሊፆም።
ብምኽንያት ኢንቨስትመንት ካብ መረበቶም ዝመዛበሉ ዘለው 253 ሓረስቶት እቲ ከባቢ ተጠቀምቲ ንምግባር ድማ ካብቶም ሰብ ሃፍቲ ዝተወፃእፀአ ኮሚቴ ተጣይሹ ኣሎ።
ተረባሕነት ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ምርግጋፅ ብዕቱብ ትኹረት ሂቦም ከም ዝሰርሕሉ ውን ተዛሪቦም።
ብዝተወሃቦም መምርሕን ኣንፈትን መሰረት ኣብ ግዜኦም ናብ ስራሕ ብምእታው ዳግመ ሕውየት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን ዓርሶም ተረቢሖም ህዝቦም ንምርባሕ በርቲዖም ከምዝሰርሑ እቶም ሰብ ሃፍቲ ገሊፆም።
