Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ከተማ መቐለ ን138 ስብ ሃፍቲ ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕጫ መሬት ኢንቨስትመንት ተኻይዱ።

ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ኣብ ራብዓይ ዙር ንዝወፅአ መሬት ኢንቨስትመንት ውድድር ፕሮጀክቶም ቅቡል ዝተገበሩ ሰብ ሃፍቲ ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕጫን ምትሕልላፍ መሬትን ሎሚ ኣካይዱ ።

ኣብ ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕጫ ዝተረኸኑ ምክትል ፕረዝደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬተርያት ስላምን ፀጥታን ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረዳ ሕዚ ዘሎ ፓለቲካዊ ጭቕጭቕ ሓላፊ እዩ እቲ ዘይሓልፍ ንሓዋሩ ዝኸውን ኣብ ልምዓት ምውፋር እዩ ኢሎም ።

ምክትል ፕረዝድንት ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረዳ ናይ መሬት ኣቕርቦት ፀገም፣ ናይ ኢንቨስትመንት ሕልኽልኽ ኣሰራርሓ ከምዝተጓተተ ብምሕባር መሬት ተሳኢኑ ተይኮነስ ሕማቕ ምሕደራ መሬት ስለዘሎ እዩ ኢሎም ።

መሬት ኣብ ትኽክለኛ ኢንቨስተራት ዘይኮኑን ደላሎን ከምዝወደቐ ድማ ገሊፆም።

ኣብ ኣጠቓላሊ ምሕደራ ኢንቨስትመንት ናይ ምስሓብን ምችው ኩነታት ናይ ምፍጣር ፀገም ከምዘሎ ምክትል ፕረዝደንት ጀነራል ታደሰ ወረዳ ወሲኾም ገሊፆም ።

ሕዚ ዘሎ ፓለቲካዊ ኩነታት ነቲ ኢንቨስትመንት እውን እዩ ኣሰናኺልዎ ዝበሉ ምክትል ፕረዝደንት ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረዳ ሕዚ ዘሎ ፓለቲካዊ ጭቕጭቕ ሓላፊ እዩ እቲ ዘይሓልፍ ንሓዋሩ ዝኸውን ኣብ ልምዓት ምውፋር እዩ ክብሉ ተዛሪቦም ።

ካብ መንግስቲ ዘድልይ ናይ መሬት ኣቕርቦት እዩ መንግስቲ ጀሚሮዎ ስለዘሎ ክነማልእ ኢና ክብሉ ምክትል ፕረዝደንት ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረዳ ቃል ኣትዮም።

ኣብ እዋኑ ተጀሚሩ ብእዋኑ ክዛዝሙ ከምዝግባእን ዕድል ስራሕ እውን ዝፈጥር ስለዝኾነ ንመንእሰይ ተስፍ ዝህብ ክኸውን እዩ ኢሎም።

ተረባሕነት መናእሰይ ምርግጋፅ ድማ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ከም ዝኾነ ገሊፆም።

እዚ ስነ ስርዓት ምውዳቕ ዕጫ ድማ ግልፅነት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ኣይተ ዳንኤል መኮነን ኣብ 2016 ዓ/ም ራብዓይ ዙር ንዝወፅኣ ኢንቨስትመንት ተወዳዲሮም ፕሮጀክቶም ተቐባልነት ዝርኸቡ ኢንቨስተራት ዝወሃብን ስነ ስርዓት ምውዳቕ ዕጫ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ኢንቨስትመንት ክዋፈሩ ንዝደልዩ ሰብ ሃፍቲ መሬት ፡ ከተማታት ውቕሮ፣ ዓድዋ ፣ ዓዲ ጉደም ፣ ዓብይ ዓዲን መቐለን መሬት ኣዳልዩ ከምዘወዳደረ ኣይተ ዳንኢል መኮኑን ኣፍሊጦም።

ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ን138 ስብ ሃፍቲ ስነ ስርዓት ምውዳቕ ዕጫ ከምዝሳለጥ ድማ ኣይተ ዳንኤል መኮንን ገሊፆም እዮም ።

ድሕሪ ምውዳቕ ዕጫ እቶም ኢንቨስተራት ምስ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ውዕሊ ከምዝኣስሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።

ፈይሰል ሙስጦፋ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *