ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ግዱድ ፀገም ኣለዎም ተባሂሎም ንዝተመልመሉ 68,855 ሽሕ ተመዛበልቲ ወገናት ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ልዕሊ 294 ሚልየን ብር ሓገዝ ንሓሙሽተ ወርሒ ዝፀንሕ ክፍሊት ሴፍቲ ኔት ከምዝውሃብም ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ድኤታ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ወ/ሮ ሑርያ ዓሊ ከምኡ እውን ካብ ሚኒስቴር መሰረተ ልምዓት ፌደራል ዝተወከሉ ኣካላት ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም ነዚ ፕሮጀክት ዕላዊ ዝገበሩ እንትኾኑ ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት መቐለ ዝተውፃፅኡ ኣመራርሓ ኣብ ዙርያ ኣፈፃፅማ ክፍሊት ዝዓለመ ስልጠና ከምዝተውሃበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
