Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኡን ካብ ፅባሕ 3 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ በብከባቢኡ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ከምዝቋረፅ ተገሊፁ።

ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኡን አገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝርከቡ ነባራት መስመር ሓደሽቲ ተወሰኽቲ ዓንድታት ኤለትሪክ ንምትካልን ስራሕቲ ፅገና ንምክያድን ዓሊሙ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ከምዝቋረፅ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ፅባሕ ዕለት 03 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ካብ ጣብያ መከፋፈሊ ላጪ ጀሚሩ ትራንስ ፣ኤስ ኦ ኤስ፣ ሆስፒታል መቐለ ፣08፣ 09፣14፣ 15፣16፣17፣18ን ከባቢ ዝባን ዳዕሮን ካብ ሰዓት 2:00 ናይ ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 8:00 ኣገልግሎት መብራህቲ ኽቋረፅ’ዩ።

ዕለት 04 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ካብ መከፋፈሊ ጣብያ ለጪ ዝብገስ እንዳኣቡነ ኣረጋዊ ቤተክርስትያን ፣ ዳግመኣምሳል ፣ቀልቀል ደብሪ ፣ ቤት ትምህርቲ ቅሳነት ፣ ዓዲ ሓውሲ፣ ዓይደር ፣ሸሪዓ ፣07፣ ዓዲወለል፣ SOS ፣ ቤተክርስትያን ፣ መለስ ፋውንዴሽን ፣ ቃላሚኖ ፣ ኖርዘን ስታር ፣ ጨለቖትን ሳምረን ካብ 2:00 ሰዓት ናይ ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 8:00 ኣገልግሎት መብራህቲ ኽቋረፅ’ዩ።

ዕለት 05 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ካብ መደበር ዝጀመረ ዓድሓ ጥዕና ጣብያ ፤ ኮሮኮንች ኣስፋልት ዓድሓ፣ እንዳ ኪዳናምህረት ፣ ማይ ዓለም ዒላላ መስጊድ 03 ፣ ሪምና ጂጂ ሆቴል ፣ ዕዳጋ ዓድሓን ዳዕሮን ካብ ሰዓት 2:00 ናይ ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 8:00 ኣገልግሎት መብራህቲ ኽቋረፅ’ዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *