ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሹአ ቢንግ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ክልተኣዊ፡ ዞባውን ዓለምለኻውን “ምዕባለታት” ከምዝዘተዩ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን። እቲ ኣብቲ ዞባ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ቻይናዊ ልኡኽ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት’ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮንን ተራኺቡ ነይሩ። እቲ ምኩር ዲፕሎማት ኣብ ለካቲት 2022 ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዘይርጉእ ኩነታት፡ ብፍላይ ድማ ኲናት ትግራይ ንምህዳእ’ዩ ነቲ ዞባ ክከታተል ተመዚዙ። ኣብ መጋቢት ናይቲ ዓመት ድማ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ተዘራሪቡ ነይሩ።
