Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ትግርይ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዝኸፍኣ እዩ !

ጥምረት ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ

ብሰንኩ ጥምየት ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዝኸፍኣ ብምዃኑ ብልዑል ትኹረትን ርብርብን ክግበር ጥምረት ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ሓቲቱ ።

ካብ ትግራይ ዝወፁ ዘለው ሓደጋ እቲ ጥምየት ዘመላኽቱ ኣሃዛት ኣዝዮም ዘሰምብዱ ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ : እቲ ኩነታት ብዘሰኽፍ መልክዑ ይጋደድ እዩ ዘሎ ኢሉ።

ጥምረት ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ኣብ ዝወዝኦ ፅሑፍ ድሕርቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ንዓውደ ሕርሻ ሓዊሱ ዓንድታት ቁጠባ ትግራይ ብዝኸፍኣ ብምህሳዮም : እቲ ኹነታት ክተሓላለኽ ከም ዝገበሮ ኣመልኺቱ።

ሓደጋ ጥምየት ካብዚ ዝኸፍኣ ጉድኣት ከየስዐበ : ልዑል ትኹረት ርብርብ ክግበር እውን ጥምረት ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ንማሕበረሰብ ዓለም ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓያል ጥምየት ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ንምቅላልን ህይወት ወገናት ንምድሓንን መንግስቲ ፌደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን ህፁፅ ምላሽ ንክህቡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፃውዒት ምቕራቡ ዝዝኸር እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *