Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
 ኣባል ፓርላማ ዓባይ ብሪታንያ ሎርድ ደቪድ ኣልተን 

ኣባል ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ሎርድ ዴቭድ ኣልተን ነዚ ዝበሉ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ንሚንስቴር ጉዳያት ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ዘቕረብዎ ሪቶን ሕቶን እዩ ።

ዓባይ ብሪታንያ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ብሓባር ኮይና ኣብ ልዕሊ መለኽትን ፈፀምቲ ገበን ጀኖሳይድን መራሕቲ ተሓታትነት ክረጋገፅ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ይግባእ ኢሎም ኣብቲ ኣብ ፓርላማ ዓባይ ብሪታንያ ዝገበርዎ ዘረባ ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ገበን ፅንተት ዝፈፀሙ ሓዊሱ ኣብ ዩክሬን ዝተፈፀመ ወረራ፣ኣብ ዒራቕ ብኣይኤስ ዝተፈፀመ ገበን፣ኣብ ዳርፉር፣ሻንጅንግን በርማን ዝተፈፀመ ጄኖሳይድ ከምኡ እውን ኣብ ናይጀርያ፣ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ገበነኛታት ብሽም ካብ ፍርዲ ነፃ ምግባር ባህሊ እናኾነ ብምምፅኡ ፍትሒ ኣይተረጋገፀን ዝበሉ ደቪድ ኣልተን ብምዃኑ ድማ መንግስቲ እንግሊዝ ገበነኛታት ካብ ተሓታትነት ከም ዘየምልጡ ክፈልጡ ክገብርን ክሰርሐሉን ሓቲቶም።