ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተወለዐ ቅሉዕ ጄኖሳይዳዊ ኩናት ምኽንያት ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ከይዲ ምምሃር ተቋሪፁ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እቲ ደማዊ ኩናት ብወዕሊ ፕሪቶርያ ዕልባት ምርካቡ ግን ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዝነበሩ ተምሃሮ ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምምላስ ጀሚሮም እዮም።
ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታትን ዝምልከቶም አካላትን ምሰ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምዃን ንተምሃሮ 12 ክፍሊ ቅድሚ ንሀገራዊ ፈተና ምቕማጦም ትምህርታዊ ሓገዝ ክግበረሎም ኣብ ምርድዳእ ምብፀሖም ተገሊፁ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ እቲ መደብ ንምዕዋት ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ሓላፊ ካብኔ ሰክሬተርያት ማሕበራዊ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወት ኣብ ገፅ ትዊቶሮም ጠቂዖም።
ድወት
