Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓድጊታትን መብፅሒ ቱሪዝምን እናተፀገኑ ምዃኖም ተገሊፁ

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓድጊታትን መብፅሒ ቱሪዝምን ስራሕቲ ፅገና እናተገበረሎም ከምዝኾነ በዓል መዚ መፅናዕቲን ሓለዋ ሓድጊን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ በዓል መዚ መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ሓለዋን ልምዓትን ሓድጊ ሃብታሙ ኣበባው ከምዝበሉዎ÷ ንፅገናን ዳግመ ልምዓትን ዝውዕል 5 ሚሊየን ዝፅጋዕ ብር ነቲ ክልል ሓገዝ ተገይሩ፡፡

ምንቅስቓስ ቱሪዝም እቲ ክልል ንምንቕቓሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ከባቢታት ኣኽሱም፣ ዓድዋ፣ ዓዲ ግራት፣ ተምቤን፣ ገርዓልታ፣ ውቅሮን ኣልነጃሽ ዝርከቡ ፅገና ዘድልዮም 21 ሓድጊታት መባፅቲታትን ስራሕቲ ፅገናን ምልማዕን እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣብ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጊዜያዊ ዳይሬክተር ምርግጋፅ ብቕዓትን ሬጉላቶሪን የማነ ገድሉ ኣረጋጊፆም፡፡

ካብቲ ዓውዲ ክርከብ ዝግበኦ ረብሓ ንምድንፋዕ ድማ ሰላም ምፅናዕን ህንፀት ምስሊ ምዕባይን ከምዝግባእ ኣመልቶም፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *