Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
Healthዜና ትግርኛ
0

ኣብ ትግራይ ውድቀት ስትራተጂካዊ መሪሕነት ምግጣሙ ህልዊ ኩነታት ትግራይ፣ ሃገራውን ዓለማውን ኩነታት ተገንዚብኻን ተንቲንካን መዋፅኦ ኣብ ምቅማጥ ዕንቅፋት ፈጢሩ እዩ ።

                         ዶክተር ሙላታ ይርጋ

ብኣተሓባባርነት ካቢኔ ሴክትርያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራታይዜሽንን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዋዕላ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ህልዊ ኩነታት ፓለተካዊ ምሕደራ ትግራይ ዝምልከት መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ዶክተር ሙለታ ይርጋ ውድቀት ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ዓብይ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ኢሎም ።

ኣብ ትግራይ ውድቀት ስትራተጂካዊ መሪሕነት ብምግጣሙ ህልዊ ኩነታት ትግራይ፣ሃገራውን ዓለማውን ኩነታት ተገንዚብኻን ተንቲንካን መዋፅኦ ኣብ ምቅማጥ ዕንቅፋት ፈጢሩ እዪ ኢሎም ዶክተር ሙላታ ይርጋ።

ብሰንኪ ኩናት ዝበፅሐ ዕንወት ንምሕዋይ ድቃስ የለን ብዝብል መንፈስ ምስራሕ የድሊ ዝበሉ ዶክተር ሙላታ ኮይኑ ግና ብሰንኺ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕመቕ በቲ ዝድለ መንገዲ ኣይስራሕን ዘሎ ኢሎም ።

ኣወሃህባ ግልጋሎት ኣካላት ፍትሒ፣ ሲቨል ሰርቪስ፣ፀጥታዊ ኩነታት፣ስርዓት ተሓታትነት ዘይምህላውን ካልኦት ፀገማትን ቅልውላው ትግራይ ብኣጋ ከይፍታሕ ምኽንያታት ምኳኖም ገሊፃም።

ኣብ ትግራይ ምውሳኽ ገበንን ሰግኣት ገበንን ፣ውራ መሬትን መዓድናትን ፣ ኢድ ኣታውነት ውሽጣውን ደጋውን ሓይልታት ኣብ ዕደና፣ስደት መናእሰይ፣ ጥቅዓት ደቂኣንስትዮ ዝበዝሐሉ ኩነታት ስለ ዘሎ ብሄራዊ ሓደጋ ከይኸውን ህፁፅ ፍታሕ ይጠልብ ክብሉ ድማ ኣገንዚቦም ።

ሃይላይ ታደለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *