Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

” ኣብ ትግራይ ኣጓኒፉ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ይሰጋገር ስለ ዘሎ ፡ ዓቕሚ ተጋሩ መዝሚዝካ ንምጥቃም ቀፀልቲ መድረኻትን ምልዛብን ክህሉ ይግባእ “

     ሲቪል ማሕበረሰብ ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ዓዲግራት 

በዚ ዕለት ኣብ ዙርያ ማሕበራዊ ፣ፖለቲካውን ቁጠባዊን ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ንዝተፈላለያ ሚድያታት መግለፂ ዝሃበ እቲ ማሕበር ፣ኣብ ትግራይ ኣጓኒፉ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ይሰጋገር ስለ ዘሎ ልዑል ጥንቃቐ ከም ዝጠልብ ድማ ኣረዲኡ ።

ስለ ዝኾነ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ፣ከም ብሄር ከይንጠፍእ ተስፋ ዝግበረሉ ዝተወደበ ዓቕሚ ተጋሩ እንትህሉ እዩ ዝበለ እቲ ማሕበር ፣ ዓቕሚ ተጋሩ መዝሚዝካ ንምጥቃም ድማ ቀፀልቲ መድረኻትን ምልዛብን ክህሉ ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ ።

ኣተሓሒዙ እቲ ማሕበር ካብ ፅንተት ዘናገፉና ሓይሊታት ፀጥታ እውን ፣ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ከይወገኑ እዮም ክሰርሑ ዘለዎም ዝበለ ሲቪል ማሕበረሰብ ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ዓዲግራት እንተዘይኮይኑ ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ኣፈላላይ ካብ ምግዳድ ካሊእ ረብሓ ስለ ዘይብሉ ” ካብ ልእኽቶን ዕላማን እቲ ሓይሊ ፀጥታ ወፃኢ ዝግበር ዘሎ ” ንዝበሎ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ደው ክብል ኢና ንፅውዕ ክብል ገሊፁ ኣሎ እቲ ማሕበር ።

አብ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ሰሓርቲ ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዘጋጠመ ሰብኣዊ ጥሕሰት ኣትሪርና ንኹንን ዝበለ ሲቪል ማሕበረሰብ ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ዓዲግራት ፈፀምቱ ድማ ተፃርዮም ብሕጊ ክሕተቱ ንፅውዕ ፣ዝብሉን ካልኦትን በዓል 11 መግለፂ ቅዋም ከም ዘውፀአ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ ።

መዝገበ ጎይትእም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *