Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ትግራይ ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትካላት ጥዕና ሰለስት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ንምጅማር መድረክ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ካብ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID) ብዝረከቦ ገንዘባዊ ሓገዝ ምስ FHI 360 ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ፣JSIን ካልኦት መዳርግቲ አካላትን ብምትሕብባር ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትካላት ጥዕና፣ ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ ሰለስተ ፕሮጀክታት ዕላዊ ኮይኑ ።

ንጥፈታት ሰነ መዓዛ፣ ግልጋሎት ሰነ ተዋልዶ ፣ክንክን ጥዕና ኣዴታት ዕሸላት ህፃናትን አባፅሕን ኢሉ እውን ምምሕያሽ ፅፈት ግልጋሎት ጥዕናን ዘተኮሩ እዞም ፕሮጀክታት ዕላዊ ስነ ስርዓት ምፍላጥን ምጅማርን ኣብ ከተማ መቐለ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ተረኪቦም መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር እማኑኤል ሃይለ እቲ ኣብ ትግራይ ዝጅመር ዘሎ ፕሮጀክት ኣዝዩ ወሳኒ ከምዝኮነን ኣብተን ብዋና ዝተሃሰያን ዝተሓረያን ከባብታት ተግባራዊ ከምዝከውን ሓቢሮም ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትካላት ጥዕና ፣ ንጥፈታት ሰነ መዓዛን ካልኦትን ዓብይ ረብሓ ከምዘለዎን ካብ 4-5 ዓመታት ከምዝፀንሕን ዝሓበሩ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ጥዕና USAID ሚስተርን ጆናታን ሮዝ እንትኮኑ መንግስቶም ኣበርቲዑ ከምዝቅፅለሉ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ኩለመዳያዊ ዕንወት ስዒቡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ሰለ ዘሎ እዚ ፕሮጀክት ምጅማሩ ወሳኒ እዩ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ከሕግዝን መንግስታ ፌደራል ኣድላይ ዘበለ ሓገዛት ከምዝሕዝግዝ ድማ ተወካሊ ሚኒስቴር ጥዕና ፌደራል ኣይተ ሲስይ ሲናሞ ሓቢሮም።

እቲ ብዕሊ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ፕሮጀክት ካብ መፈለምታ ክስብ መወዳእታ ዕውን ንክክውን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣድላይ ዘበለ ሓገዛት ከምዝገብር ድማ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ገሊፆም።

ኣብቲ መድረክ ዘተ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ትግራይ፣ ሓለፍቲ ውልቀ ትካላት፣ዞባታትን ወረዳታትን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣካላት እናተሳተፊፉ እዮም ዝርከቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *