Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
Politicsዜና ትግርኛ
0

ነቲ ዝተካየደ ጭፍጫፍ  ስግግር ፍትሒ ብዝበል ዘተ ኣብ መቀለ ተካይዱ

ሎሚ ማዝያ 5 2015 ዓ/ም ብሚኒስተር ሚኒስትር ፍትሒ ፌዴራል ዶ/ር ጌዶዎን ጢሞቴዎስን ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ዙርያ እዋን ስግግር ፍትሒ ንምዝታይ መቐለ ኣትዩ። እቲ ጉጅለ ብፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳን ምክትል ፕሬዚዳንትን ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤን ካልኦት ዝምልከቶም ካብኔን ተራኺቡ ይዝቲ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝምዕብል ዘሎ ከይዲ ሰላም ኣጠናኺርካ ንምቕፃልን ዘላቕነት ክህልዎ ምርግግጋፅ ፍትሕን ተሓታትነትን ቀዳምነት ክንህቦ ይግባእ ኢሎም። እቲ ኣብ መቐለ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ድማ ብመሰረት ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ከም ሃገር ስግግር ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፅ መሰረት ዝንበረሉን ናብ ተግባራዊ ስራሕ ዝእተወሉን ክኸዉን ከም ዝግባእ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ኣገንዚቦም።

ሚኒስተር ሚኒስትር ፍትሒ ፌዴራል ዶ/ር ጌዴዎን ጢሞቴዎስ ኣድላይነት እቲ ዘተ ብመሰረት ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶርያን ቅድም ክብሉ ዝተዉሃቡ ምኽረ ሓሳባት ሃገራዊ ዝኾነ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ከም ዘድሊ ተሓሳቢ ብምግባር ስራሕቲ ምድላዉ ስግግር ፍትሒ ኣብ ምጅማር ንርከብ ኢሎም። እቲ ዝህልወና ፖሊሲ እዉን ብኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተቐባልነት፣ ተኣማኒነት፣ ትካላትን ኣከያይዳን ዝፈጥር ክኸዉን ኢና ንደሊ ዝበሉ ዶ/ር ጢሞቴዎስ እዚ ተግባራዊ ክኸውን ድማ ኣብ ምድላዉ እቲ ፖሊሲ ዝምልከቶም ሰብ ብፅሒትን ኩሎም ኢትዮጵያዉያንን ዝሳተፍሉ ሃገራዊ ዘተ ክህሉ ከም ዘለዎ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ጀንሳይዳዊ ኩናት ብጣዕሚ ዘሐዝን ከቢድ ሰብኣዉን ንዋታዉን ኪሳራ በፂሕዋ ኢዩ ዝበለ እቲ ሚኒስተር እዚ ኩሉ ፍፃመ ሓሊፉ ዘሊቒ ሰላምን ፍትሕን ንምርግጋፅ ብቐፃሊ ድማ እዚ ከይድገም ንባዕልና ከም ሃገርን ከም ህዝብን ክንቅፅል ክንብል ተመኻኺርና መዕረፊ ክንገብረሉ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም። ኮሚሽነር ከምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ ዕላማ እቲ ዘተ ዝግበረሉ ዘሎ ሰነድ ስግግር ፍትሒ ብሰንኪ እቲ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዝበፀሐ ዕንወትን ሰብኣዊ ክሳራን ሓቂ ምእላሽን ምርግጋፅን፣ ግዳያት እቲ ኩናት ዝኾኑ ዜጋታት ፍትሒ ክረኽቡን ክከሓሱን፣ ፍትሕን ተሓታትነትን ምርግጋፅ ፣ዝተፈፀመ ገበናት ዳግም ንኸይድግም ዘላቒ መፍትሒ ምቕማጥ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት በዓልቶም ተጠኢቅቲ ክገብሩ ኣይኩእሉን ፣ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዘርኣዊ ጭፍጨፋ ፍትሒ ከይረክብ ዝጎዚ ከይዲ እዩ ክብሉ ኣባላት ተነሓናሒቲ ውድባት ተቃውሞኦም እናገለጹ ይርከቡ፡፡  ናይ ሳወት ምክትል ፕረዚዳንት ዝኮኑ ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ ኣብ ፌስቡክ ሒሳብ ገጾም ፡

“ ሽንዳሕዳሕ ምስ መፅነትና ሞራል ህዝብና ንምስባር ጥራይ ዝዓለመ ኣይኮነን። እታ ሃገር ዓለምለኽ ኣፃረይቲ ናብ ትግራይ ከይኣትው ኸልኺላ ከምዘላ ዝፍለጥ እዩ። ብግልባጡ እቶም ቀንዲ መሳሰይቲ ትግራይ ጆኖሳይድ ድማ ብሽም ስግግር ፍትሒ ሰላሕ እናበሉ ናብ ትግራይ ይኣትዉ ኣለው። እቲ ወኪሎም ዝኾነ ግዚያዊ ምሕደራ እውን ተቀቢሉ ፎቶ ኣልዒሉ <<ሕርር በሉ>> ብዘምስል ስእልታት ይውዝሕ ኣሎ። እቲ ብድዐ ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋኑ መልሲ ክህበሉ እዩ። እስካብ መወዳእታ እናተዋረደካ ምንባር ንቡር ስለዘይኮነ።  ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ እቲ ዓለምለኸ ኣፃራዪ ንዝቅፅል መስከረም ዕድምኡ ኣሕፂርካ ነቲ ምፅራይ ብስግግር ፍትሒ ንምትካእ ስራሕቲ ተጀሚሮም ኣለው። እዚ ናይ ሎምዓንቲ ዑደት እውን ነዚኸይዲ ዘጠናኽር እዩ። ስለዝኾነ ኣብዚ ኸይዲ ብወገን ትግራይ ዝሳተፍ ኣካል እቲ ምጉዛይ ዓለምለኸ ምፅራይ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ከም ውፅኢቱ እውን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ኣብ ምሽፋን ብግልፂ ይሳተፍ ኣሎ ማለት እዩ።” ብምባል ይግልጹ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕብራት መንግስታት ሰባኣዊ ኮሚሽን ዝምራሕ ገለልተኛ መርማሪ ጉጅለ ናብ ኢትዮጵያ ትግራይ ኣትዩ ከይምርምርን ባጀት ከይረክብእን እናሰረሐን እናተከላከለን ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *