ኣብ ትካል ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትሰዎች ዳይሬክተር ሚድያን ኢዲቶርያልን ኢንድሪው ስትሮህሊን ኣብ ገፅ ትዊተር እቲ ትካል ኣብ ዝወዝዕዎ ፅሑፍ፣ ኣብቲ ዝተፈፀመ ቅሉዕ ወራር ምፅናት ዘርኢ ከምዝተፈፀመ ብምምልኻት ንስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ስዒቡ እውን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ማእለያ ዘይብሎም ገበናት ይፍፀሙ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።
ንምቁራፅ ምውሳኑ ንግዳያት ካልኣይ በደል ምዃኑ ሓቢሩ።ብፍላይ ድማ መንግስትን ዕጡቓትን ኣምሓራ ንገበን ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ሓዊሱ ዓለምለኻዊ ገበናት ከምዝፈፀሙን እዚ ተግባሮም ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕፅሉሉ ከምዘለዉን ዘመልከተ ኢንድሪው ስትሮህሊን፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪካ ዕማሙ ደው ክብል ምውሳኑ ዘይሓላፍነታውን ዘሕዝንን ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕማም ኮምሽን መፃረይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፤ ብዘይሻራዊ ኣካላት ንዝግበሩ ምፅራያት ከተዓናቕፍ ከምዝፀንሐ እውን እቶም ዳይሬክተር ሚድያን ኢዲቶርያልን ሂዩማን ራይትሰዎች ኣዘኻኺሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ማሕበረሰብ ዓለም ንከይፈልጦ ፃዕርታት ክገብር ምፅንሑ ብምዝኽኻር ጉዳይ ትግራይ ልዑል ኣቓልቦ ዝጠልብ ምዃኑ እውን ኣተሓሳሲቦም።
