Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ትግራይ ተጠቀምቲ ዝናብ ፅድያ ዝኾና ከባቢታት ዝህልው መጠን ዝናብ ልዕሊ ስሩዕ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብሙኻኑ ድማ ኣብ ተጠቀምቲ ዝናብ በልጊ ዝኾኑ ከባቢታት ትግራይ ዘሎ ሓረስታይ ስራሕቲ ሕርሻ ከምኡ እውን ዕቀባ ማይን ሓመድን ከሳልጡ መተሓሳሰቢ ቐሪቡ ኣሎ ።

እዙይ ዝተገለፀ ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ እዩ።

ኣብቲ መደረኽ ዝተረኸቡ መተሓባባሪ ትንበያን ቅድመ መጠንቀቕታ ኣይተ ዳርጌ ፍቓዱ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጨንፈር ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ስራሕ ከምዘይነበረ ገሊፆም።

ድሕሪ ምኽታም ውዕሊ ፕሪቶርያ ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ናብ ንብር ስርሑ እናተመለሰ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ዳርጌ ፍቓዱ እቲ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ንዝቕፅሉ ናይ ፅድያ ኣዋርሕ እንታይ ዓይነት ኩነታት ኣየር ፀባይ ከምዝህሉ ንህዝብና ብፋላይ ድማ ሓረስታይና ክሰርሖም ዝግቡኡ ስራሕቲ እንታይ ከኸውን ከምዝግባእ ተበፃሒ ንምግባር እዩ ኢሎም።

ክኢላ ትንበያን ቅድመ መጠንቀቕታን ዝኾኑ ኣይተ ሃብቴ ፀጋይ ብወገኖም ኣብቲ ተተሒዙ ዘሎ ዓመት ፅቡቕ ዝብሃል ዝርግሐ ዝናብ ፅድያ ከምዝህልው ዘቐመጡ እንትኾን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ተጠቀምቲ ፅድያ ዝብሃላ ዞባ ምብራቕን ዞባ ደቡብን ዝህሉ መጠን ዝናብ ፅድያ ልዕሊ ስሩዕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ክኢላ ልምዓት ሜትሮሎጂ ዝኾኑ ኣይተ ሃደራ ግደይ ድማ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ናይ ፅድያ ኣዋርሕ ፅቡቕ ዝብሃል ዝናብ ከምዝህልው ብምግላፅ ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝርገሐ ሕማም ዓሶ ዘሰክፍ ከምዘይዘኾ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *