ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብሞያን ትግራይ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ ትግራይ መሰረታዊ ፓለቲካውን ቁጠባውን ምምሕያሽ ከምትጠልብ ኣፍሊጡ።
ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብሞያን ትግራይ (GSTS) ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ንዝሓለፉ ሹዱሽተ ኣዋርሕ እናዘተየ ከምዝመፀ ኣቦ ወንበር እቲ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዶክተር ገብረ ኪዳን ገብረ ስላሴ ገሊፆም።
እቲ ምስ ፓለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ መራሕቲ ፀጥታ ትግራይ፣ ሲቪክ ማሕበራትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዝተኻተትሉ ዘተ ፤ ህልዊ ኩነታት ትግራይን መንቀሊኡን ድሕሪ ምዝታይ መፍትሒ ዝኾኑ ነጥብታት ቀሪቦም ብኣብዘሓ ምርድዳእ ከምዝተገበረሎም እውን ዶክተር ገብረኪዳን ገሊፆም።
መፍትሒ ተባሂሎም ዝቐረቡ 16 ነጥብታት ዘቕረቡ ኣባል እቲ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዶክተር ሰለሙን መዝገቡ ፣ ትግራይ መሰረታዊ ፓለቲካውን ቁጠባውን ምምሕያሽ ከምትጠልብ ገሊፆም።
ፓለቲካዊ ምህዳር ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ክኸውን ከምዝግባእ እቲ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ከምመፍትሒ ከምዘቕረበ ዝገለፁ ዶክተር ሰለሙን፣ ቁጠባ ትግራይ እውን ውልቀ ሰባት ዝቆፃፀርዎ መንግስቲ ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ ወሳናይ ዘይኾነሉ ክኸዎን ከምዝግባእ ገሊፆም።
ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብሞያን ትግራይ (GSTS) ዘላቒ መፍትሒ ፓለቲካዊ ፣ቁጠባዊን ፀጥታውን ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ተኾይኑ ክትግበሩ ኣለዎም ካብ ዝበሎም 16 ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ተካቲቶም ኣለው።
- ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብሙሉእ ንኽትግበር ብትኹረት ክስራሕን ደገፍ ኩሉ ኣካል ክረክብን ከምዝግባእ
- ዝመፀናሉ ሕልክላኽ ዝበዝሖ ፓለቲካዊ ጉዕዞ ብብሄራዊ ዕርቂ መዕለቢ ብምሃብ ሓዱሽ መፃኢ ምእማት ከምዝግባእ
- ፓለቲካዊ ውዳበን መንግስታዊ መሓውርን ምፍላይ ከምዝግባእ
- ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክመፅእ ምስ ለገስቲ ትካላት ምስራሕ ከምዘድሊ
- ብፓለቲካዊ ዘይምርድዳእ ጠመተ ዘይረኸበ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብትኹረት ክስራሕ
- ሓይሊታት ፀጥታ ትግራይ ካብ ዝኮነ ኣካል ነፃ ክኾኑ ምስራሕ
- ዋንነት ትእምት ናይ ህዝቢ ዝኾነሉ ፣ዓቅሚ ብዘለዎ ኣመራርሓ እናተመረሐ ተሳትፎ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ክህልዎን ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዑዙዝ ግደ ክፍፅምን ምስራሕ
- ኣሳታፋይን ሓቋፋይን ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ክጣየሽ ዝብሉ ዝርከብዎም 16 መፍትሒ ነጥብታት ዘቅረበ ኾይኑ ፣ ንትግበረኦም ግብረ ሓይሊ ምጥያሽ ከምዝጠልብ እውን ተመላኺቱ።
