ኣብቲ ንዕስራ መዓልታት ዝሳለጥ ወፍሪ ኣብ 11ሽሕን 233 ዕዮታት ጉጅለ ዝተወደበ ልዕሊ 130 ሽሕ ህዝቢ ክሳተፍ ትፅቢት ይግበር።
ኣብ 238 መፋስሳት ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ሄክታር ንምዕቃብ ከምዝተተለመ ‘ውን ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣተሓባባሪ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣይተ ሃፍተስላሰ ኣሰፋ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም።
ብብርኪ ዞባ ሎሚ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ጣብያ መስሕል ብዕሊ ኣብ ዝተበሰረ ምጅማር ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ‘ታ ወረዳ፤ኣብዚ ወፍሪ ብልዑል ወነን ተበግሶን ብምስታፍ ብሓይልታት ፅንተት ዝተሃሰየ ከባቢ ንምሕዋይን ናብ ንቡር ንምምላስን ከምዝረባረቡ ኣረጋጊፆም።
