Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ በጀት ዓመት 2014 ልዕሊ 15 ቢሊየን ብር ውዙፍ ተኣካቢ ሒሳብ ተረኺቡ

ኣብ በጀት ዓመት 2014 ልዕሊ 15 ቢሊየን ብር ኣብ ዝተፈላላያ ትካላት ውዙፍ ተኣካቢ ሒሳብ ከምዝተረኸበ ዋና ኦዲተር ፌዴራል ገሊፁ።

ኣብ እዋኖም ዘይተወራረዱ ውዙፍ ተኣካቢ ሒሳብ ኣብ ዝተገበረ 131 ኣብያተ ዕዮ ብሓፈሻ ልዕሊ 15 ቢሊየንን 125 ሚሊየንን ብር ሒሳብ ከምዘሎ ብኦዲት ከምዝተረጋገፀ ዋና ኦዲር መሰረት ዳምጤ ገሊፀን።

ሚኒስቴር ጥዕና፣ ሚኒስቴር ማይ መስኖን ከባቢ ቆላን ልምዓትን፣ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፣ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን፣ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ፣ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዘይተወራረደ ተኣካቢ ሒሳብ ካብ ዝተረኸበለን ትካላት ተረቋሕቲ ከመዝኾና ተሓቢሩ።

እተን ትካላት ብመሰረት ደንቢን መምርሒን ንከወራርዳን ምእካብ ዘይኽእልኡ ድማ ኣፃርየን ስጉምቲ ንክወስዳን ከምዝተገለፀ ኣብ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ፋና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *