ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 2023 ንክጅመር ዕድመ ክልተ ሰሙን ጥራሕ ተሪፍዎ ከምዘሎን ካብ 13 ክሳብ 21 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ድማ ኣብ ቡዳፔስት ሃንጋርይ ከምዝሳለጥን ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብዚ ውድድር ፍርያት ትግራይ ዝኾና ብሉፃት ኣትሌታት ዝሳተፋ ኾይነን ካብኣተን ሓንቲ ዝኾነት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ምስ ስፖርት ድወት ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት እቲ ውድድር ልዑል ጥንቃቐ ዝጠልብ ውድድር ከምዝኾነን ዝሓሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ድማ ልምምዳ ጠንኪራ ትሰርሕ ከምዘላን ገሊፃ ኣላ።
ኣብቲ ውድድር ዝስለፍ ኹሉ ኣትሌት ታሪኽ ንምፅሓፍ እዩ ዝነሓናሕ፣ በዚ መሰረት ጠንካራ ውድድር ከምዝኸዉን ኣየጠራጥርን፣ ኣብዚ ጎብለል ኮይንኻ ንምውፃእ ድማ ጠንኪረ ይሰርሕ ኣለኹ ክትብል ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓቢራ ኣላ።
ኣብቲ ውድድር ድማ ከምኒ ኣትሌታት ለተሰንበት ግደይ፣ ጎቶይቶም ገብረስላሴ፣ ለምለም ሃይሉ፣ ፍረወይኒ ሃይሉ፣ብርቄ ሓየሎም በሪሁ ኣረጋውን ካልኦትን ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ኣቐዲሞም ምርግጋፆም ይዝከር፤ ኢሉ ኣሎ ፀብፃብ ስፖርት ድወት።
