በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ሂወት ሰብን ጥሪትን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከም ዘሎ ድማ ተሓቢሩ።
መተሓባበሪ ዘራእትን መስኖን ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ኣይተ ካሕሳይ ገብረማርያም ከም ዝበልዎ ሎሚ ዘበን ክራማት ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከባ 12 ጣብያታት እተን ሸዉዓት ብኸቢድ ድርቂ ተሃስየን እየን።
እተን ዝተረፋ ሓሙሽተ ጣብያታት እዉን ብወሳናይ መልክዑ ብድርቂ ተጎዲአን ኣለዋ ዝበሉ ኣይተ ካሕሳይ ከም ሳዕቤኑ ኣስታት 90,000 ነበርትን ልዕሊ 300,000 እንስሳ ዘቤትን ንሕፅረት ምግቢ ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ድማ ኣረዲኦም።
ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ጣብያ ቂሐን ረኺቡ ዘዘራረቦም ገለ ሓረስቶት ከም ዝበልዎ ድማ ብዝተፈላለዩ ዘራእቲ ዝሸፈንዎ ገራሁቶም ዓይነ ቡቕሊ ከይኣብቆለ ሕሩስ ኮይኑ ከም ዝርከብን ከም ሳዕቤኑ ዝብላዕ ዝሰኣኑ ነበርቲ ዝደምበዉ ከም ዘለዉን ገለ ሓረስቶት ድማ ጥሪቶም ብኣዝዩ ሕሳር ዋጋ እናሸጡወን እዮም።
ስለ ዝኮነ መንግስቲ ይኹን ገበርቲ ሰናይ እቲ ድርቂ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣብ ከባቢኦም ከየስዓበ ኣቐዲሞም ሂወት ናይ ምድሓን ስራሕቲ ከሳልጡ ፀዊዖም።
ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ገብረ ካሕሳይ ኣብቲ ዞባ ኣጓኒፉ ንዘሎ ድርቂ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡና መብርሂ ድማ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝርከባ 131 ጣብያታት እተን 56 ጣብያታት ሙሉእ ንምሉእ ዝተረፋ 31 ጣብያታት ድማ ብኽፋል ተጠቒዐን እየን።
ኣብቲ ዞባ ኣብቲ ዝሓለፈ ክራማት ልዕሊ 87,000 ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዘራእቲ ተሸፊኑ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ገብረ ካብ መንጎ እዚ ስፍሓት መሬት እቲ 75 ሚኢታዊ ተደሪቑ ስለ ዘሎ ኩሎም ተወለድትን ፈተዉቲ ትግራይን ህዝቢ ናይ ምድሓን ስራሕቲ ብልዑል መንፈስ ሓላፍነት ክንቀሳቐሱ ፀዊዖም።
