ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ
ዋዕላ ሕጋዊ መሰረትን ሓላፍነት ግዝያዊ ምምሕዳርን ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ከምዚ ዓይነት መድረኻት ኣብ ዝተመረፁ ጭብጥታት ግዜ ወሲድና ንትግራይ ዘለዎ ረብሓን ንቐፃሊ ኣንፈት ዝጠቅም ዘይጠቀም ምዃኑ ዘቲና ኣብ ፍልጠት ተመስሪትና እንውስነሉም እዮም ኢሎም ።
ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ዘይተረጋገዐ ፓለቲካ ክረግዕን ብተመሳሳሊ ቋንቋን ምርድዳእን ክንዘራረብ ዕድል ዝፈጥር መደረኽ ከምዝኾነ ድማ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቦም ።
ኣይተ ጌታቸው ከምዚ ዓይነት መደረኽ ካብ ደንገርገር ምውፃእ ጥራሕ እንተይኮነስ በቲ ውዕሊ መሰረት ዘይተዓመሙ ዕማማት ክዕመሙ ልዕሊ ኹሉ ግን ዝተማልኣ ፓለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ንምፍጣርን መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይ ንምርግጋፅ ዘኽእልና ዓቅሚ ኣብ ምእካብ ኣስተዋፅኣኦ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ቀፀልቲ ኣብ ናይ ትግራይ ረብሓ ዘድሃቡ ሓሳባት ዝልዓልሎምን ንቐፃሊ ረብሓታት ትግራይ ዝዝተየሎም መደረኻት ክፍጠሩ ድማ ትፅቢት ከምዝገብሩ ፕረዝደንት ጌታቸው ገሊፆም ።
ኩሉ ትግራዋይ ዝሓውስ ረብሓ ትግራይ ዝምልክቱ ዝንዝትየሎም መድረኻት ክቕፅሉ ይግባእ ድማኢሎም።
እቲ ዋዕላ ብካብኔ ሴክሬተርያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራታይዜሽንን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተዳላወ መደረኽ እዩ።
