ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፖርቲ ብልፅግናን ዝተጀመረ ክልቲኣዊ ዘተ ሎሚ 07 ግንቦት 2016 ዓ/ም እውን ንሳልሳይ ግዘ ተኻይዱ ።
ኣብቲ ዝርርብ ኣቐዲሙ ዝተበፅሐ መትከላት ርክብ ፓርቲ ንፓርቲ ብምዝኽኻር ዝተጀመረ ቀንዲ ኣጀንዳታት ናይ ምንፃር ከይዲ ብምዝዛም ኣብ ቅደም ሰዓብ እቶም ኣጀንዳታት ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ስምምዕ በፂሖም ኣለው ።
ብቐዳምነት ዝተነፀረ ኣጀንዳ ምስ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ተኣሳሲሩ ዝርዝር ዝርርብ ብምክያድ ክልቲኦም ውድባት ንምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ብሓባር ብዕቱብ ከምዝሰርሑ ብምስምዕማዕ ፤ ኣብ መወዳእታ
- ኣብ ቀረባ ኣብ ራያ ኣብ ዘጋጠመ ተርእዮ ጎንፂ ዝምልከት ዝርዝር ምይይጥ ብምክያድ ፤ እቲ ተርእዮ ክፍጠር ዘይነበሮን ምስ ዝጀመርናዮ ከይዲ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ዝፃባእን ምዃኑ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም ።
- ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉዳያት ብሰለማዊ መንገድን ዝርርብን እናተፈትሑ ክኸዱ ክልቲኦም ኣካላት ነናይ ባዕሎም ፓለቲካዊ እጃም ክዋፅኡን ብቑርፀኝነት ክሰርሑ ተስማዕሚዖም ። ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዝህልዉ ስርሓቲ ኮሚኒኬሽን ከይዲ ሰላም ዘጠናኽሩን ጎንፂ ካብ ዘለዓዕሉ ትሕዝቶታት ክቑጠቡን ኣብ ስምምዕ በፂሖም።
- ንዝኾነ ይኹን ጎንፂ ንዝፈጥሩ ምልክታት ብሓባር ንምክልኻልን እንተተፈጢሮም ድማ ብቕልጡፍ ንምቁፅፃር ብዕቱብ ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።
- ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ናብ መሬት ንምውራድ ንዝስርሑ ዘለው ስራሕቲ ንምዕዋት ምችው ኩነታት ንምፍጣር ክልቲኦም ውድባት ሓላፍነቶም ንምፍፃም ኣብ ስምምዕ በፂሖም።
ብቐፃሊ ኣብ ካልኦት ኣጀንዳታት ዝርርብ ንምክያድ ብምስምዕማዕ ናይዚ ዕለት ምይይጥ ዛዚሞም ።
