Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቱ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ምፅራይ ሓበሬታ ብምሃብ ህዝቢ ክሳተፍ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ፀዊዑ።

ቅድሚ ሰሙናት ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዕላዊ ዝገበርዎ ሓሙሽተ ኣባላት ኣመራርሓ ዘለዉዎ ሓይሊ ዕማም ዛጊድ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይውግን ከምዘሎ ዝገለፀ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ፣ ነቲ ምፅራይ ዝሕግዝ ሓበሬታታት ኣብ ምሃብን ነቶም ዝተዋፈሩ ኣካላት ምፅራይ ኣብ ምድጋፍን ህዝቢ ዘርእዮ ዘሎ ተሳትፎ ዝነኣድ ምዃኑ ሓቢሩ።

ዝተጀመረ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን እቲ ምፅራይ መረዳእታታት ንምጥንኻርን ዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸቢ ተጠቒሙ ህዝቢ ዝያዳ ክሳተፍ እቲ ቢሮ ተላብዩ።

ብኣድራሻታት ቑፅሪ ስልኪ
-0922062064 ወይ ድማ-0922779699
ብኢመይል aidinvestigation@gmail.com ወይ ብኣካል ኣብ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ቐሪብካ ሓበሬታ ምሃብ ይከኣል።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *