ብቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ ምስ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ(ACSOT) ብምትሕብባር ኣብ መዳይ ምጥንኻር ፎረም መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት (Go NGO) ኣድሂብ ዋዕላ ተኻይዱ።
ኣብቲ ዋዕለ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝተረኸቡ እንትኾን ትግራይ በቲ ኩናት ዝበፅሓ ዕንወትን ኣብ ዳገመ ህንፀትን ትግራይን ዝሰርሕሉን ህዝቢ ተጠቃሚ ዝኾነሉ ከይዲ ዘድሃበ ዘተ ምኻኑ ተገሊፁ።
ትግራይ ኣብ ከቢድ ኩናት እያ ፀኒሓ ዝበሉ ካብኔ ትልምን እቶትን ሃፍትን ምምሕዳርን ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ ብኣማኢቲ ኣሽሓት ተመዛበልቲ ኣብ መዕቖቢ ኮይኖም፣ ብርክት ዝበለ ህዝብና ድማ ኣብ ከቢድ ሰነ ልቦናዊ ፀገምን ፅዕንቶን ኮይኑ ዝሳላጥ ዘሎ ዋዕላ እዩ ኢሎም።
ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ ብተወሳኺ እውን ዘይመንግስታዊ ትካላትን መንግስትን ተኣሳሲሮም ክሰርሑን፣ዝመፀ ሃፍተ ገነት ኣብ ምውዓሉ ንክውዕል ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ እዚ ዋዕላ ተፀዊዑ ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ቀንዲ ዓቕምና ውሽጣዊ እዩ ዝበሉ ዶ/ ር ሓጎስ ጎዲፋይ ዘይመንግስታውያን ትካላት ዝገብርዎ ምንቅስቃስ ምስ መንግስቲ እናተላዘባ ክሰርሓ ይግባእ ክበሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።
ዘይመንግስታውን ትካለት ቅድሚ ኩናት ኣብ ትግራይ ዝስርሑ ዝነበሩ ልምዓታት ዘይንዓቕ ተራ ከምዝነበሮም ዝተገለፀ እንትኾን ኣብ ደግመ ህንፀት ትግራይ ንዝግበር ርብርብ እውን ምጥንኻር ፎረም ዘይመንግስታውን መንግስታዊ ትካላትን ኣገዳሲ ምኻኑ ተገሊፁ።
እቲ ዋዕላ ትግራይ ንምህናፅ ሓቢርና ንስራሕ ብዝብል ቴማ እዩ ተሳሊጡ።
