Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ምጥንኻር ዓቕሚ ሚድያ ትኹረት ዝገበረ ስልጠና ንጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ሚድያን ትግራይ ይወሃብ ኣሎ።

እዚ ኣብ ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ማእከል ምድንፋዕ መሰላትን ዲምክራስን (ካርድ)ምስ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ማሕበር ስነ ጥበብ ጩራ ኣቡጊዳን ዝተዳለወ እዩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ስልጠና ዘረባ ዘስምዑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ፣መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ምርግጋፅ ብሄራዊ ረብሓ ክሰርሓ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ብተወሳኪ ኣብ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ፣ዝተፈፀሙ ዓለምለኸ ገበናት ኣብ ምቅላሕ ፣ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ክረክብን እውን ክሰርሓ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣማካሪት ርክባት ኣምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሮዝ ኣነ ስቴቬንስ ኪሊትዝ ፣ኣምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ምዕባይ ዓቅሚ ጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ እናሰረሐ ከምዝመፀ ብምግላፅ፣ ኣብ ትግራይ ንፈለማ እዋን ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ስልጠና ንጋዜጠኛታትን ሰብሞያን ትግራይ ሓጋዚ ከምዝኸውን ዘለወን እምነት ገሊፀን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *