እዚ ብ ዓቀብቲ ሕጊ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ከተማ መቐለ ንዓቀብቲ ሕጊ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ፣ኣብ ምርመራ፣ ክትትልን ኣመሰራርታ ክሲ ዓለምለኻዊ ገበናትን መሰረት ተገይሩ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና እዩ።
ዳይሬክተር ዓቀብቲ ሕጊ ንሰብኣዊ መሰላት (Lawyers for Human Rights) ኣይተ ኣመሃ መኮነን፣ እቲ ስልጠና ኣብ ምምርማር ገበን ንዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ እውን ከምዝወሃብ ኣመላኺቶም።
ስልጠና ይህቡ ዘለው ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ገብረመስቀል ሃይሉ ፣ዝተፈፀሙ ዓለምለኻውያን ገበናት ብዓይኒ ዓለምለኻዊን ዘቤታዊን ሕግታት ከመይ ይረኣን እንታይ ክግበር ኣለዎን ኣብ ዝብል ገለፃ ይገብሩ ኣለው።
ኣብ ትግራይ ዓለምለኻውያን ገበናት ማለት እውን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት ፣ ገበን ኲናትን ምፅራግ ዓሌትን ብልፍንታውያን ሓይልታት ከምዝተፈፀሙ እናተገለፀ ዝመፀ እንተኸነ’ውን ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ዓለምለኻዊ ገበንን ገበን ጆኖሳይድ እውን ዘካትት ከምዝኾነን ብዓለምለኻውያን ዘይሻራውያን ትካላት ክምርመርን ተሓታትነት ክረጋገፅን እናሓተት መፅዩን ኣሎን።

