ኣብ ማእከላይ ዞ ባብመንግስቲ ፌዴራል ተመዲቦም ዝነበሩ ኣመራርሓ ምስቲ ነባር ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ርክክብ ተገይሩ፡
ብመንግስቲ ፌዴራል ተመዲቦም ዝነበሩ ምምሕዳር ነቲ ዝነበረ ስሩዕ ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ርክክብ ከም ዘሳለጡ ዝገለፁ ሓላፊ ቺፍ ሴክሪተርያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል አሰፋ ዝገለፁ እንተኾኑ ዝነበሩ ምምሕዳር ብምምስጋን እቲ ዝነበረ መሪሕነት ምስቲ ስሩዕ መሪሕነት ብምትሕግጋዝን ዘለው ፀገማት ብምፍታሕ ስራሕቶም ከሳልጡ ከም ዝግባእ ገሊፆም፡፡
ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕን
እዚ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ስቃይ ንክወፅእ ሕድ ሕድ መሪሕነት ብትኩረት ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም፡፡
ብመንግስቲ ፌዴራል ተመዲቦም ዝነበሩ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣይተ ዮናስ ኣለማዮ ንዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ማእኸል አይተ እያሱ ተስፍይ ርክክብ ገይሮም፡፡
ኣብ ዞባ ማእኸል 5 ወረዳታት ተመዲቦም ዝፀንሑ ኣማሓደርቲ ድማ ነቶሞ ዝነበሩ ኣማሓደርቲ ወረዳታት ዞባ ማእኸል ርክክብ ኣሳሊጦም፡፡
እዚ ርክክብ ምምሕዳር ኣብ ሰሜን ምዕራብ እውን ፅባሕ ዕለት 11,08,15 ክሳለጥ እዩ፡፡


