Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ብሄራዊ ሓዘን ክእወጅ እዩ።

— ሓላፊ ካብኔ ስክሬተርያት ፀጥታን ሰላምንን ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ወዲ ወረደ

ካብ መግለፂ ተጋደላይ ታደሰ ወረደ ዝተወሰደ ነጥብታት:—

★ሰራዊት ትግራይ ብልሒ ጫፍ መኸተ ህዝቢ ትግራይ እዩ ።

★ መርድእ ጀጋኑ ስውኣትና ነፍሲ ወከፍ ስድራታት ክርዳእን፣ነፍሲ ወከፍ ስድራ በቢኣድራሻኡ ሰርትፊኬት፣ጀግንነቶም ዝገልፅ ደብዳበ ናብ ሕድሕድ ስድራ ክበፅሕ ክግበር እዩ።

★ እቲ መርሀ ግብሪ መርድእ ናይ 12 ክፍሊ ፈተና ምስተዛዘመ ከምዝጅምር ተገሊፁ።

★ ድሕሪ ምርዳእ ናይ ሰልስተ መዓልቲ ብሄራዊ ሓዘን ክእውጅ እዩ።ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዝሃለወ ይሃልው ናይ ጀጋኑ ስውኣትና ጀግንነት ክዝከርን ክኽበርን እዩ

★ ኣብ ብሄራዊ ሓዘን ኣዋጅ ዝገበሩን ዘይግበሩን መምርሒታት ሕጊ ወፂኡ ክእወጅ እዩ።

★ ናይ ሕልና ፀሎት መርህ ግብሪ ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ ክሳለጥ እዩ

★ ዝተፈላለዩ ደላላታት ብስውኣትና ዝሽቅጡ ኣለዎ እዮም።

★ኣዕፅምቲ ስውኣት ካብ ዝዓረፍሉ ከባቢ ምልዓል ብሕጊ ዝተኸልከለ እዩ።
★ እዚ መርድእ ንተመዛበልቲ ወገናት ሓዊሱ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘሎ ከባቢታት መርድእ ክግበር ምኻኑ ተገሊፁ እዩ ።

★ እቲ በቢከባቢኡ ዝግበር ዘሎ መርድእ ግምታዊ፣ንናይ ሰማእታት ክብሪ ዘይምጥን ስለዝኾነ ህዝብና ዕላዊ መርድእ ክፅበይ ተላብዮም።

★ ነዚ ናይ መርድእ ዝርዝር ኣፈፃፅማ በሚድያታት ከምዝግለፅ ድማ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *