” ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካቢኔ ኣብ ዘፅደቖም ናይ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ መደባትን ኣንፈታትን መሰረት ዝገበረ ክልላዊ መድረኽ ካብ ፅባሕ 29 ማዝያ 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ክካየድ እዩ። ዕላማ እዚ መድረኽ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ናይ መንግስቲ መሓውር ፣ ኣብቶም ዝተሰናድኡ መዳባት፣ ኣብ ህልው ኩነታትናን ባህሪ እዚ መድረኽን ዝተማለአን ሓበራዊ ርድኢት ብምሓዝ ፣ እቶም ዝተነፀሩ ሽቶታትን ዙርያ መለሽ መደባትን ብዘተኣማምን ብርኪ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብምዃኑ ኣብዚ መድረኽ ካብ ወረዳታት ፣ ከተማታትን ዞባታትን መሓውር ናይ መንግስቲ ዝተወከሉ ክሳተፉ እዮም።
ኣብ መኸተ ዘጥረናዮ ፅንዓትን ሓድነትን ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ክነበርኾ ኢና! “
ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት
Office of the President-Tigray
