Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ መንጎ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ብፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳለጠ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተዛዚሙ

updates

ኣብ መንጎ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ብፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳለጠ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተዛዚሙ።

ሎሚ ሰሉስ 2 ሓምለ 2016 ዓ/ም ኣብ ኣዲስኣበባ ኣብ መንጎ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ብፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳለጠ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ድሕሪ ምዝታይ እዩ ዝተዛዘመ።

ራያ

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ከባብታት ራያ ዝተገበረ ኣፈጻጽማ ዝምልከት ኣብ መንጎ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ዝነበረ #ኣፈላላይ ብናይ ሎሚ ናይ ፓናል ዘተ ተፈቲሑ ናብ ጽቡቅ ምርድዳእ ተበጺሑ እዩ።

ጸለምቲ

ኣብ ናይ ሎሚ ፓናል ዘተ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ኣብ ጸለምቲን ማይጸብሪን ዝተጀመረ ተመዛበልቲ ናይ ምምላስ ከይዲ በአወንታ ዝተወሰድ እንትኾን ዝቀርዩ ነገራት ንምምላእ ንምስራሕ ኣንፈት ተቐሚጡ እዩ።

ምዕራብ_ትግራይ

ኣብ ናይ ሎሚ ፓናል ዘተ ምዕራብ ትግራይ ዝምልከት ኣጀንዳን ስፊሕ ክትዕ ዝተገበረሉ እንትኾን ከምቲ ናይ ጸለምቲን ማይጸብሪን ብተመሳሳሊ ብህፁጽ ንክፍጸም ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ እዩ።

ተመዛበልቲ_ተጋሩ ኣብ ሱዳን

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝምልከት እውን ኣጀንዳ ዝነበረ እንትኾን እቶም ትካላት ሕቡራት መንግስታትን ኣፍሪካ ህብረትን ሓላፍነት ወሲዶም ምስ መንግስቲ ኢ/ያ ኮይኖም ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ናብ መረበቶም ንክምለሱን ሓለዋ ንክግበረሎምን ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ እዩ።

ሕጋውነት_ውድብ ህወሓት

ኣብ ናይ ሎሚ ዘተ ሕጋውነት_ውድብ ህወሓት ዝምልከት ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ብ ኣፈላላይ ዝወጹ እንትኾን ክልተኦም ኣካላት ብቀጻሊ ብዝገብርዎ ፖለቲካዊ ዘተ ክፈትሕዎ ኣንፈት ተቀሚጡ ኣሎ።

ብሓፈሻ ናብ ራይን ጸለምቲን ምዕራብን ዝምለሱ ተመዛብልቲ እግሪ መትከሊ ክወሃቦምን ሃለዋ ክግበረሎም ይግባእ ኣብ ዝብል ጽቡቅ ምርድኣእ ተገይሩ ኣሎ።

ገምጋም ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝምልከት ቀጻሊ ብፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ዝሳለጥ ዘተ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017ዓ/ም ንክኻየድ ፕሮግራም ተታሒዙ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *