ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ኮኒኑ። ኣብ ዝሓለፈ ፀብጻብና ኣብ መንጎ ዕጡቓት ወታደራዊ ሓይልታትን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) ሓያል ወጥሪ ከም ዝነገሰ ገሊፅና ነይርና፡፡ እዚ ንመዓልታት ዝጸንሐ ወጥሪ ስዒቡ ድማ ከቢድ ተኹስን ፍንጀራን ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም፡ ወተሃደራዊ መዓስከራት፡ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንትን መንበሪ ሓላፊ ሰራዊትን ውግእ እናተካየድ እዩ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኩነታት ሱዳን “ዝበላሸወ” ክብሉ እኳ እንተገለፁ፣ ናብ ሲቪል ምሕደራ መንግስቲ ንምስግጋር ዝግበር ከይዲ ሐዚ እውን ዕድል ከምዘሎ ገሊፆም። ወሲኩ ፤ ገለ ተዋሳእቲ “ኣንጻር እቲ ስግግር ምዕባለ ክደፍኡ ይኽእሉ እዮም” ክብል ከሲሱ። ብተወሳኺ “ኩሎም ተዋሳእቲ ነቲ ዓመጽ ብቕልጡፍ ደው ከብሉን ተወሳኺ ምትእኽኻብ ሰራዊት ንክቑጠቡን ዘይተፈትሑ ጉዳያት ንምፍታሕ ሰላማዊ ዝርርብ ክቕጽሉን ንላቦ” ኢሉም።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ጆን ጎድፍሪ ኣብ ትዊተር ሒሶቦም ““ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኣብ ቦትኡ ኣፅሊሉ ምህላውን ኣብ መላእ ካርቱምን ካልእ ቦታታትን ዝርከቡ ሱዳናውያን ዝገብርዎ ዘለው እዩ ”ክብሉ ገሊፆም፡፡ ንላዕለወት ወታደራዊ ሓለፍቲ ድማ እቲ ዝቅጽል ዘሎ ወታደራዊ ወጥርን ኲናትን ኣዚዪ ሓደገኛ ምኳኑ ብምትሕስሳብ ጠጠው ከብልዎ ፀዊዖም፡፡ን12 ሰዓታት ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ መን ላዕለዋይ ኢድ ከም ዘለዎ ንጹር ስለዘይኮነ፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ዘሎ ኩነታት ጸልማትን ምድንጋርን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

