ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተኸተመ ስምምዕነት ሕቶን፡ ዓወትን ማናእሰይ ኢዩ ከብል ፌዴሬሽን መናእሰይ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቲ ፌዴሬሽን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብ ዓውድታት ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ሰፊሕ ማዕቐፍ ምትሕብባር ዘካተተ ስምምዕነት ኢዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ ናይ ዘበናት ጭንቅን ቁዛመን ኢትዮጵያዊያን ንምሕካም ዘኽእል ኣጋጣሚ ከምዝፈጠረ ኣብሪሁ።
መናእሰይ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሕቶ ወደብ ሓበራዊ ተረባሕነት ብዘረጋገፀ መገዲ ምዕዋት ምኽኣሉ ንልምዓትን ምዕባለን ቀርኒ ኣፍሪካ ኣስተዋፅኦ ከምዘሎዎ ተሓቢሩ።
