ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ምኽክር ህዝቢ ዞባ ደቡብ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ካብ ዝተለዓሉ ሕቶታት፣ሓሳባትን ርኢቶታትን
★ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ኣብ ዘለሉ እዋን ኣመራርሓ ትግራይ “እታ እምባይ መን ይወርሳ” ካብ ዝብል ንሕንሕ ብምውፃእ ህድእ ኢልኩም ኣፈላላይኩም ፍትሑ።
★ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተመለሱ ተመዛበልቲ ሓገዝን ክትትልን ይገበረሎም።
★ ሰላም ቀዳማይ ሕርያና እዩ ።ሰላም ግበሩልና።
★ ደቅና ንትግራይ ኢሎም እዮም ተሰዊኦም ። ንውልቀ ሰባት ኢሎም ኣይኮነን።
★ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምምላስ ብትኹረት ስርሑ።
★ ፀገም ፀጥታ ኣለና ።ብኣግባቡ ህዝቢ ዝሰምዕን ዝሕሉን ፀጥታ ክህሉ ይሰራሕ።
★ ፍትሒ ይጓደል ኣሎ። ኣብያተ ፍርዲ ፍትሒ ከረጋግፁ ክሰርሑ ይገበር ።
★ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ዘሎ በደል ከቢድ
★ ሓርበኛታት ፣ስድራ ስውኣትን ቆላሕታ ኣይተገበረሎምን ።
★ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ናብ ኣመራርሓ ይምፃእ
★ ተጀሚሮም ዝተቋረፁ ስራሕቲ ልምዓት ኣለው። እዞም ስራሕቲ ብምስራሕ ተረባሕነት መናእሰይ ይረጋገፅ።
★ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ክልተ ገፅ ሓንቲ ሳንቲም እዮም።
★ ሰባት እዮም ዝለዋወጡ እምበር ውድብ ከም ውድብ ክቕፅል ኣለዎ።
★ ኣብ መንጎ መራሕቲ ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ ህዝቢ ከም ህዝቢ በቢ ከባቢ ዝኸፋፍል ስራሕ ደው ክብል ኣለዎ ።
★ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣፈላላይ ናብ ሓይሊ ንለውጦ። ኣብ ትግራይ ዴሞክራሲ ክዓቢ ይሰራሕ።
★ ኣማኻሪ ካውንስል ንምንታይ ዛጊድ ናብ ስራሕ ኣትዩ ስራሕ ዘይጀመረ ?
★ ምምሕዳር ብድሌት ህዝቢ ክትኸል እንታይ ይስራሕ ኣሎ?
★ ብዘይኣግባብ ብሽም ኢንቨስትመንት መሬት ይተሓዝ ኣሎ። መንእሰይ ናብ ስደት ይኸድ ኣሎ። ነዚ ንምፍታሕ እንታይ ክስራሕ እዩ?
★ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ተኻዒተን ዘለዎ ጎዳጉዲ ማይ ንምንታይ ናብ ረብሓ ክውዕላ ዘይግበር ?
★ ካብ ማይጨው ክሳብ ዓዲጉራ ዘሎ ፅርግያ ፅገና ይገበረሉ። ህዝቢ ኣላዒልካ ክስራሕ ዘለዎ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ትኹረት ይገበር።
★ ዞባ ደቡብ ከም ዞባ ፣ከተማ ማይጨው ድማ ከም ከተማ ፀገም መሰረተ ልምዓት ኣሎ።
★ ብምትእስሳርን ረብሓን ዝስራሕ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትኹረት ገይሩ ነዚ ፀገም ክፈትሕ
ይግባእ።
