Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ መሬትን ማኣድንን ሰፊሕ ዘይሕጋውነትን ውራን ይረአ ስለዘሎ ዝተዋደደ ርብርብ ከምዝሓትት ቢሮ መሬትን ማዓድንን ኣፍሊጡ።

ኣብ መሬትን ማኣድንን ሰፊሕ ዘይሕጋውነትን ውራን ይረአ ስለዘሎ ዝተዋደደ ርብርብ ከምዝሓትት ቢሮ መሬትን ማዓድንን ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ነዙይ ዘፍለጠ 22 ሚያዝያ 2016 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ እንትኾን፣ እቲ ቢሮ ብርክት ዝበሉ ሓላፍነት ዘለዉዎ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ክልተ ቀንዲ ሃፍቲ ትግራይ ዝኾኑ ሴክተራት መሬትን መዓድንን እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ሓላፊ ቢሮ መሬትን ማዓድንን ኣይተ ካልኣዩ ገብረህይወት ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ብፍላይ ኣብ ከተማታት ውራ መሬት ብሰፊሑ ከም ዝነበረን መንግስቲ ነዙይ ተገንዚቡ ይስርሕ ከም ዘሎን ዛጊድ 80 ሚኢታዊ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝተወረረ መሬት ናብ ባንኪ መሬት ኣታዊ ከም ዝተገበረን ዘረድኡ ኣይተ ካልኣዩ፣ ኣብ መዳይ ኢንቨስትመንት ድማ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኩናት ይኹን እቶም ኢንቨስተራት ብዝፈጥርዎ ፀገም ብጣዕሚ ሰፊሕ ፀገም ከም ዘሎን መንግስቲ እዙይ ንምፍታሕ ይሰርሕ ከም ዘሎን ኣብሪሆም።

ምስ ምውፃእ ማኣድን ተታሓሒዙ ብዙሓት ፀገማት እናተፈጠሩ ከምዘለውን ፍቓድ ኣውፂኦም እናሰርሑ እናሃለው ዝኾነ ይኹን ዓይነት ንመንግስትን ህዝብን ዝጠቅም ስራሕ እንተይሰርሑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ይሸጥዎ ከም ዘለውን ነዚ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ መልክዕ ንምትሓዝ ምስ ዝምልከቶ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ እኳ እንተሃለወ ኩሉ ክተሓባበር ከምዝግባእ ኣይተ ካልኣዩ ሓቢሮም።

ካሕሳ መሬት ዝምልከት ኣብ ቀረባ እዋን ዝወፀ ሓዱሽ መምርሒ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፣ ኣብቲ መምርሒ ዓበይቲ ለውጥታት ከም ዘለዉን ሕቶ ሕብረተሰብ ከም ዝነበረን ብፍላይ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣትው መሬት፣ እኹል ካሕሳ ከም ዘይነበረን ሐዚ ዘሐሽ ነገር ሒዙ ከም ዝመፀን ኣይተ ካልኣዩ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብቲ መምርሒ መሬቱ ዝውሰዶ ሓረስታይ ቅድሚ ሐዚ ናይ 10 ዓመት ተገሚቱ ይወሃቦ ከም ዝነበረን ሐዚ ግን ናብ 15 ዓመት ክብ ከም ዝበለን ብፍላይ ካብ ገዝኡ ብልምዓት ንዝመዛበል ቅድሚ 3 ወርሒ ክንገሮን ን2 ዓመት ገዛ ክራይ መንግስቲ ክሽፍነሉ ዝብሉን ካልኦት ረብሓታትን ከምዘለዉዎ ዘብርሁ እቶም ሓላፊ፣ እዙይ ቅድሚ ምትግባሩ ምስ ሓረስቶት ምይይጣት ከም ዝተኻየዱን እዚ እንተገይርኩም ፅቡቕ እዩ ዝብል ርኢቶ እቶም ሓረስቶት ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ ቀዲምካ ምስ ምልማዕ መሰል ኣብቲ መምርሒ ከምዝተቐመጠ ዘልዓሉ ኣይተ ካልኣዩ፣ ሓደ ሰብ ክፈናቐል እንተሎ ንሱ ከልምዓ እንተኾይኑ ከምዝፍቀዶ ኣብቲ መምርሒ ክጥቀመሉ ዝብል ኣሎ። እዙይ ማለት ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ከተማ ዘሎ ነባር ቦታ ኣፍሪስካ ኣብ ምልማዕ ክመዛበል ይኽእል እዩ፤ግና እታ ትሕሰብ ዘላ ክሰርሓ ይኽእል እየ ዓቕሚ ኣለኒ እንተኢሉ ኣብ ከተማ ከምዝፍቀድ ኣብቲ መምርሒ ከም ዝተቐመጠን ነዚ ግና ሕብረተሰብ ብዝተፈላለዩ ክርደኦ ስለዝርአ ግቡእ ግንዛበ ምጭባጥ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

ብካሊእ መዳይ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝኣቱ መሬት ግና እቲ መሬት ንሕርሻ ዝድለ እንተኾይኑ እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ንሕርሻ ክሰርሖ ይኽእል እየ እንተኢሉ መሰሉ ክኽበር ይኽእል እዩ፤ ግና ንሕርሻን ንሕርሻን ጥራሕ ምዃኑ ምርዳእ ከምዘድሊ እቶም ሓላፊ ወሲኾም ኣብሪሆም።

ኣብ መወዳእታ ምስ ምሻጥ ተሓራሳይ መሬት እንትገልፁ፣ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 40 ብግልፂ ከምዝተቐመጠን ኣብ ካልኦት ሕግታት እውን ተሓራሲ መሬት ምሻጥ ከም ግልፂ እናሃለወ ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍፀሙ ኣለዉ። ስለዚ እዚ ተግባር ኣግባብነት ከምዘይብሉን ሕጋዊ ተቐባልነት ስለዘይብሉን፣ ገዛኢ ገንዘቡ ከፍስስ ከምዘይብሉን ፅባሕ ንጉሆ ሕጋዊ ክኸውን ስለዘይኽእል ኣብዚ ዘሎ ዘይሕጋውነት ምእራም ከምዘድሊ ኣይተ ካልኣዩ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ መወዳእታ ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ደገ ዝመፁ ጠለባት መንበሪ ገዛ ክመለሱ ኣለዎም ዝብል ከም መንግስቲ ቅቡል እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ መሬትን ማዓድንን ኣይተ ካልኣዩ ገብረህይወት፣ዝምልከቶም እውን እዚ ጠለብ እዚ ከመይ እዩ ብሕጋዊ መንገዲ ክተኣናገድ ዝኽእልን ሕቶ ሕብረተሰብና ምላሽ ዝረክብን ዝብል ብኣግባቡ ሒዞሞ ኣለዉ እዮም፤ ብዝተፈላለዩ ኣነዘገባባት እውን ክምለስ እዩ። ይኹንምበር ዘይሕጋዊ ተግባራት ስርዓት ክሕዙን ስለዘለዎም ኩሉ ሓጋዚ ክኸውንን ነዚ ድማ ኩሉ እጃሙ ከበርክትን ፀዊዖም፡፡

ፍልፍል:- TCAB

፳፪ ሚያዝያ ፳፻፲፮ ኣ/ኣኽሱማውያን

ንቕሓትመጀመርያ !

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *