Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ሓደ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲ ናይ ምትካል ወፍሪ ተጀሚሩ

ብብርኪ ሃገር ኣብ ሓደ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲ ናይ ምትካል ወፍሪ ሎሚ መዓልቲ ንጎሆ ሰዓት 12 ተጀሚሩ።

ሰዓት 12 ንጎሆ ዝጀመረ እቲ መርሃ ግብሪ ክሳብ ሰዓት 12 ናይ ምሸት ከምዝቕፅል ተሓቢሩ።

ነቶም ፈልስታት ንምትካል ዘኽእል 9 ሺሕን 500 ቦታታት ካርታ (ጂኦስፓሻል ማፕ) ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ካብ 2015 ዓ.ም ክሳብ 2018 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ካልኣይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር 25 ቢሊየን ፈልሲታት ክትከል ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካልኣይ ምዕራፍ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር መጀመሪ መርሃ ግብሪ 1 ሰነ 2015 ዓ.ም ኣብ ክልል ዓፋር ምጅማሮም ይዝከር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *