ኣብ 2016 ምስ ፋኖ፣ ኦላን ካልኦትን ኣብ ኩይናት ሕድሕድ ዝሞቱ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ልዕሊ 31 ሽሕ ምዃኖም ተፈሊጡ። ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ በጀት ጥራሕ ነቶም ኣካሎም ዝጎደሉ ኣባላት ሰራዊት ፈዴራል ልዕሊ 43 ሽሕን፣ ነቶም ዝኸድዑ ልዕሊ 12 ሽሕን ሓዊስካ ብጠቕላላ ልዕሊ 87 ሽሕ ካብ ሰልፍን ወፍርን ወጻኢ ከምዝኾኑ ምንጭታት ይገልፁ።
ሰራዊት ፈደራል ከቢድ ናይ ሎጅስቲክስ ጸገምን ናይ ምውጋእ ሞራል ምትሓትን ገጢሙዎ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ ኣሎ። ነቲ ብሰንኪ ሞት፣ መውጋእትን ክድዓትን ዝገጥም ዘሎ ናይ ሰራዊት ምጉዳል ንምትካእ፣ ፈዴራል 28 ሽሕ ሓደሽቲ ምልምላት ኣብ ኣርባዕተ ማእከላት ኣእትዩ የሰልጥን ከምዘሎ፣ ካልኦት ተወሰኽቲ ንምእታው ሰፊሕ ግፋ ኣብ ከተማታት ደቡብ ይፍጸም ከምዘሎ፣ ሎጂስቲክስ ንምምላእ ካብ ፈተውቲ ሃገራትን ካብ ሃፋትም ውሽጢ ዓድን ብወፍሪ ገንዘብ ንምእካብ ይፍተን ከምዘሎን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋን ኦላን ፋኖን፣ በቢገጾምን በቢንእሽቶንን ብድምሩ ልዕሊ 20 ሽሕ ሓደሽቲ ተዓለምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ብዙሓት ቀወምትን ተንቀሳቐስትን ማእከላት ኣእትዮም ይዕልሙ ከምዘለው’ውን ተመሳሳሊ ሓበሬታ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ጋምቤላ፣ ቤንሻንጉል፣ ወላይታን ቤተ ጉራጌን ብዕጥቂ ዝድገፉ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ይተኣኻኸቡ ምህላዎም ይንገር።
