ትካል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትሰዎች ሓይልታት ኣምሓራን፣ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ኣመራርሓን ድሕሪ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም እውን ተግባር ምፅራይ ዓሌት ተጋሩ ኣጠናኺሮም ቐፂሎምሉ ከምዘለዉ ዕላዊ ገይሩ።
ብሓይሊ መረበቶም ገዲፎም ክመዛበሉ ዝተገደዱ ሰላማውያን ሰባት ናብ መረበቶም ክምለሱ መሰል ኣለዎም ዝበለ እቲ ትካል፣ ይኹን እምበር ተጋሩ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ክሰፍሩ ዘኽእል ኩነታት ከምዘየለ ገሊፁ።
ተጋሩ ካብ መረበቶም ክመዛበሉን ናብ መረበቶም ተመሊሶም ከይሰፍሩን ኣብ ልዕሊ እናሰርሑ ዝመፁን ዘለዉን ኣካላት መንግስቲ ፌደራል ብምፅራይ ተሓታትነት ከረጋግፅ እዩ ትካል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቱ ዘሎ።
ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ካብ መረበቶም ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዘይኣኽኣለ ዳይሬክተር ትካል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትሰዎች ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ላትሽያ ባደር ገሊፀን።
መንግስቲ ፌደራል ንዝተፈፀሙ ዓለምለኻዊ ግፍዕታት ዘይሻራዊ መፃረይቲ ትካላት ኣትዮም ከፃርዩ ክፈቅድን ተሓታትነት ክረጋገፅን ድማ ፀዊዑ።

