Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይበፅሑ ዘለው ተደጋገምቲ ፀገማት ዝቃዎም ሰልፊ ንምክያድ ሰለስተ ፓለቲካዊ ውድባት ትግራይ መደብ ከምዝሓዙ ገሊፆም።

እቲ ሰልፊ ብቀንዱ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ብዘይምዃኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይበፅሑ ዘለው መዓልታዊ ግፍዕታት ንምቅዋምን ብሕፅረት ምግቢ ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ድምፂ ንምዃንን ዕላማ ዝገበረ ከምዝኮነ ገሊፆም።

ምስ ጉዳይ ፀፅታ ተኣሳሲሩ ይፍጠሩ ዘለው ገበናት ዝምልከቶ ኣካል ትኹረት ንክገብርን ፍትሕን ተሓታትነትን ከረጋግፅን ዘኽእል ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝካየድ ገሊፆም።

እቶም ፓለቲካዊ ውድባት፣ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)፣ውድብ ናፅነት ትግራይ(ውናት) ከምኡ’ውን ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ኮይኖም፤ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ይፍፀሙ ንዘለው ግፍዕታት ዝቃዎም ሰልፊ ን2 ጳጉሜን 2015 ዓ/ም ንምክያድ መደብ ከምዝሓዙ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጦም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *