– ፕረዝደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ ብርሃነ
እዙይ ዝተገለጸ ኣብ መድረኽ ዘተ ኣፈጻጽማ ስራሕቲ ኣብያተ ፍርዲ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ምን ግደ መዳርግቲ ኣካላትን እዩ ።
ፕረዝደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ ብርሃነ ኣብ ያተ ፍርዲ ትግራይ ህዝቢ ንምግልጋል ላዕልን ታሕትን እናበላ ጸኒሐን እየን ዝበሉ እንትኾን ቅድሚ እቲ ጄኖሳይዳዊ ኩናት ምጅማሩ ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ብሃገር ብርኪ ኣብ ዝሓሸ ቁመና ከምዝነበራ ገሊጾም።
በቲ ጄኖሳይዳዊ ኮነ ተባሂሉ መዛግብትን ፣ ሰነዳትን፣ ሒሳብን ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ክቃጸልን ክዝመትን ተገይሩ እዩ ዝበሉ ዶ/ር ፀጋይ ብርሃነ ብክኢላታት ብዝተፀንዐ መጽናዕቲ ምርግጋፁ ድማ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ዝበጽሐ ዕንወት ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ስርዓት ዳኝነት ፅዕንቶ ፈጢሩን ቅልጡፍን ፍትሓውን ዳኝነት ኣብ ምሃብ ሰፍ ዘይብል ጉድኣት በፀሒዎን እዩ ኢሎም ዶ/ር ፀጋይ ብርሃነ።
ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ድሕሪ እቲ ጄኖሳይዳዊ ኩናት ምስ ኩሉ ጉድለታተን ንህዝቢ ኣገልግሎት ንምሃብ ጻዕሪ እናገበራ ምኻነን ተገሊጹ ።
ፕረዝደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ ብርሃነ ካብ መፋርቕ 2015 ዓ/ም ኣስታት 90 ዳያኑ ካብ ስርሖም ለቒቖም እዮም ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዝተገበረ መፅናዕቲ ንዳያኑ ምልቃቕ ምኽንያት ዝኾኑ ክልተ ርካባት ዘቐመጠ እንትኾን ቁጠባዊ ተንከፍን ዘይኾኑን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ኣብ ህፁፅ እዋን ግዘ ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ዝግበር ዝነበረ ሚዛኑ ዝሰሓተ ገምጋምን ፣ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝነበረ ትሑት መንግስታዊ ቖላሕታን ንዳያኑ ካብ ሰራሕ ምልቃቕ ቁጠባዊ ተንከፍ ካብዘይኾኑ ምኽንያታት እዮም ድማ ተባሂሉ ።
ህዝብና ፍትሒ የለን ብምባል እናንፀርፀረ እዩ ዝበሉ ፕረዝደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ ብርሃነ ንዞም ፀገማት ንምፍታሕ መዛግብቲ ዝፍትሽን መፅናዕቲ ዘካይዱን ክልተ ጉጅለ ዳይኑ ተጣይሹ እናተስርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
ኣብያተ ፍርድና ካብቲ ዘለወኦ መሰከፊ ኩነታት ወጺኣን ነቲ ፍትሒ ዝፀምኦ ህዝብና ፍትሒ ክህባ እንተኾይነን ኣብ ውሽጥን ዝገብሮኦ ለውጢን ሕልውን መሰረታዊን ኮይኑ ደገፍን ሓገዝን መዳርግቲ ኣካላትን ተሳትፎ ምልኣተ ህዝብን ዝጠልብ እዩ ክብሉ ፕረዝደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ ብርሃነ ገሊፆም።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣፈጻጽማ ስራሕቲ ኣብያተ ፍርዲ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ምን ግደ መዳርግቲ ኣካላትን ብተን ክልተ ጉጅለ ዳይኑ ዝተፀንዐ መፅናዕትን ርካባትን ቀሪቦም እናተዘተየሎም እዩ።
